መዋእለ-ህጻናትን ክንክን ቈልዓን

መዋእለ-ህጻናት ርእሱ ዝኸኣለ ኣገባብ ስርዓተ-ትምህርቲ’ዩ፤ ፋልማይ ደረጃ ናይቲ ንመላእ ህይወት ተመሃራይ ዚቕጽል መስርሕ ትምህርቲ ኮይኑ፡ ካብ ሓደ ክሳዕ ሓሙሽተ ንዝዕድመኦም ቈልዑ ዝቐንዐ ከኣ’ዩ። ክንክን፡ ምዕባለን ድለባ ትምህርትን እምንታት ኵርናዕ ናይዚ ንጥፈት’ዮም።

ቈልዑ በቲ ዘሎዎም ሃንቀውታን ተገዳስነትን ኪበላሓቱ፡ ትምህርቲ ኪድልቡ፡ ንጸወታ መበገሲ ብምግባር ዳህሳስ ከካይዱ ምእንቲ፡ ኣብ ስታፍ ሰራሕተኛታት፡ ኣለይቲ ቈልዑን ንስርዓተ ትምህርቲ ተኸቲሎም ንጥፈት ዚውጥኑን ዚውድቡን ብስነ-ትምህርቲ ዝሰልጠኑ ኣባላት ኣለዉ።

መዋእለ-ህጻናት ንዅላቶም ቈልዑ መሃርን ዘተኣማምንን ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብ ክራምፎሽ ነፍሲወከፍ መዋእለ-ህጻናት ናታ ዞባ ኣለዋ። ኣርባዕተ ዞባታት ማለት ኣሃዱታት ኣለዋ፡- ሆጋ ኩስተን (Höga kusten)፡ ክራምፎሽ ቬስትራ (Kramfors västra)፡ ክራምፎሽ ሶድራን (Kramfors södra) ኤልቨን ኖራን (Älven norra) ከኣ ይበሃላ።

Kontakt

Kom in customer service

Phone 0612-800 00

ኣድራሻ ምብጻሕ
Torggatan 2
872 80 Kramfors

ኣድራሻ ቡስጣ
Kramfors kommun
872 80 Kramfors

kommun@kramfors.se

Uppdaterad:

Innehåll på sidan