ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤሰፊ)

ኤሰፊ ማለት፡ ነቶም ሽወደንኛ ቋንቋ ኣዲኦም ዘይኮነ ኣባጽሕ መባእታዊ ትምህርቲ ሽወደንኛ ነምሃብ ማለት’ዩ። ትምህርቲ ኤሰፊ፡ ምስ ስራሕ፡ ምስ ፕራክቲክ (ስራሕ ተልመደን) ወይከኣ ምስ ካልእ ዓይነት ትምህርቲ ኣጣሚርካ ብሓደ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ትምህርቲ ኤሰፊ ክትመሃር መሰል ኪህልወካ፡ ኣብ ክራምፎሽ ኮሙን ከም ተቐማጢ ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ። ኣብ መላእ ዓመት ወረቐት ምዝገባ ኣእቲኻ ንትምህርቲ ኪቕበሉኻ ይኽእሉ’ዮም። ምቕባል ተመሃሮ ከከም ህላወ ቦታ’ዩ።

እቲ ትምህርቲ ክንደይ ግዜ ይወስድ᎒

ንዘሎካ ትምህርታዊ ድሕረባይታ፡ ዝቐሰምካዮ ፍልጠትን ናይ መጻኢ ዕላማኻ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ እቲ ግዜ ከከም ሰቡ ይፈላለ ኣብ መዓልታዊ ኮርስ ምስታፍን፡ ብውልቅኻ ቋንቋ ምልምማድን ነቲ ናይ ትምህርቲ ግዜ የሕጽሮ።

ነጥቢ ክወሃብ ድየ᎒

እወ: ነጥቢ ኪወሃበካ’ዩ። እቲ ነጥቢ ሽዱሽተ ደረጃ ኣሎዎ፡ ካብ “A” ክሳዕ “F” ኮይኑ፡ “A” እቲ ዝለዓለ ደረጃ ነጥቢ’ዩ።

ርክብ ንምግባር፡

ኣማኻሪ ትምህርትን ሙያን 0612-80500
ወይከኣ ናብ ጐደና “ዪርከስቬገን 1” (Yrkesvägen 1) መጺእካ ብጽሓና

ብደሓን ምጻእ!

Uppdaterad: Sidansvarig: Patrik Eriksson

Contact

Kom in customer service
Tel. 0612-800 00

ኣድራሻ ምብጻሕ
Torggatan 2
872 80 Kramfors

ኣድራሻ ቡስጣ
Kramfors kommun
872 80 Kramfors

E-mail
kommun@kramfors.se