ማሕበራዊ ሓገዝ፡ መናበሪ ሓገዝ

ቅድሚ ቍጠባዊ ሓገዝ ምሕታትካ ነዚ ዚስዕብ ትገብር

  • ምስ መናብርትኻ (ሳምቦ) እትቕመጥ፡ ምርዑው ወይ ምዝጉብ መጻምድቲ እንተ ኾይንካ፡ ቅድም ቀዳድም ምስ ሕድሕድኩም ብቚጠባ ግድን ክትተሓጋገዙ ኣለኩም።
  • ኣብ ባንክ ናትካ ገንዘብ እንተሎካ፡ ወይ ብርክታት ኩባንያ ወይ ረሲድ (ፎንድ) ትውንን እንተ ኾይንካ፡ ቅድም ቀዳድም ነዚ ርእሰ-ማልካ ንመናበሪኻ ግድን ክትጥቀመሉ ኣለካ። ቀልጢፉ ኪሽየጥ ዚኽእል ንብረት እንተሎካ፡ ነዚ ግድን ክትሸጦ’ለካ። ካልእ ንብረት እንተሎካውን፡ ንኣብነት ቪላ፡ ጃልባ ወይ ማኪና፡ ነዚ ግድን ክትሸጦ’ለካ።
  • ኵሉ ክትሓቶ እትኽእል ዓይነት ሓገዝ፡ ንኣብነት ከም ሓገዝ ክራይ ገዛ፡ ጥሮታ፡ መተካእታ ደሞዝ ሕማም፡ መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ወይ መናበዪ ሓገዝ ግድን ክትሓትት ኣለካ።
  • ብዛዕባ’ዞም ኣብ ላዕሊ ዚጥቀሱ ሓገዛት ብኸመይ ከም ትሓትት ዚያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ምስ ቤ/ጽ ውሕስነት ካሳ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
  • ንኣ-ካሳ (a-kassa) ወይ ኣልፋ-ካሳ (Alfa-kassa) መሰል ዘሎካን ዘይብልካን’ውን ግድን ኣጻሪኻ ክትፈልጥ ኣለካ።
  • ኣብ ክራምፎሽ ኣብ Arbetsförmedlingen ተመዝጊብካ፡ ብንጥፈት ስራሕ ተናዲ ከም ዘለኻ ከተርኢ ኣለካ። እዚ ኸኣ፡ ድሮ ቅድሚ ቍጠባዊ ሓገዝ ምሕታትካ ክትገብሮ ኣለካ።
  • ንስኻ ብወገንካ’ውን ባዕልኻ ግድን ስራሕ ከተናዲ ኣለካ፤ ስራሕ ከም ዘናደኻ ከኣ ንቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ጸብጻብ ከተቕርብ ኣለካ።
  • ክፍሊት ትኸፍል እንተ ኾይንካ፡ ንኣብነት ክፍሊት ክንክን ቈልዓ ወይ ክፍሊት ኣገልግሎት ገዛ (ሄምሻንስት)፡ እቲ እትኸፍሎ ክፍሊት ምስቲ እትረኽቦ እዋናዊ እቶት ዚመጣጠን እንተኾይኑ ንምቍጽጻር ግድን ምስኣቶም ርክብ ክትገብር ኣለካ።

ትምህርቲ ዚመሃሩ ወይ ብሕታዊ ትካል ዘሎዎም፡ ኣብ ፍሉይ ኵነት ጥራይ’ዩ ንቚጠባዊ ሓገዝ መሰል ዘሎዎም።

ቍጠባዊ ሓገዝ ብኸመይ ትሓትት᎒

ቅድም ቀዳድም በዚ ዚስዕብ ቍጽሪ ምስ ጸሓፍቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ትገብር፡-
ቴለፎን 0612-80 000። ሽዑ ብዛዕባ ኵነታትካ ክትሕብር ዕድል ይወሃበካ። ምስ መሕተቲ ቅጥዒ ነየኖት ካልኦት ሰነዳት ከተቕርብ ከም ዘለካ’ውን ሽዑ ሓበሬታ ትረክብ።

መሕተቲ ቅጥዕኻ ኣብቲ ኮሙን ምሰእተኻ፡ ኣብ ውሽጢ 2-3 ሰሙናት ምስ ጸሓፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ቈጸራ ኪተሓዘልካ’ዩ። ዚበዝሕ እዋን፡ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውሳነ ይመጸካ።

ዚወሃብ ቍጠባዊ ሓገዝ በብወርሑ ይረአ። እቲ ዚወሃብ ሓገዝ ግዜያዊ ስለዝኾነ፡ እቲ ሓገዝ ናይ ምውሳድ መሰልካ ምስቲ ብዝተኻእለ መጠን ርእስኻ ቀልጢፍካ ክትክእል እትገብሮ ጻዕርታት ተነጻጺሩ ይረአ።

ምስ ጸሓፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ርክብ ምስ ገበርካ መሕተቲ ቅጥዒ ንገዛ ይለኣኸልካ።

ገንዘበይ መዓስ ይመጸኒ᎒

ገንዘብ መናበሪ ሓገዝ ዚኽፈለሉ ቀዋሚ መዓልቲ የለን፤ መናበሪ ሓገዝ ኪወሃብ ብጸሓፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምስ ተወሰነ፡ እቲ ገንዘብ ይኽፈል።

Uppdaterad: Sidansvarig: Christina Brännmark

Contact

Kom in customer service
Tel. 0612-800 00

ኣድራሻ ምብጻሕ
Torggatan 2
872 80 Kramfors

ኣድራሻ ቡስጣ
Kramfors kommun
872 80 Kramfors

E-mail
kommun@kramfors.se